” አብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ፍትሒ ንምእላይን – ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝህቦ ድጋፍ ከጠናኽር’ዩ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

አብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ፍትሒ ንምእላይን – ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ፤ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝህቦ ድጋፍ ከጠናኽር ፤

ብፍላይ ነፃነት አብያተ ፍርዲ ንኽረጋገፅን ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ንምምላስን ጉዳይ ፍትሒ ቀዳምነት ዝውሃቦ ጉዳይ’ዩ ክብሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆሞ።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ንዚ ዝገለፁ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ምስ ፍትሒ ንኹሉ ( justice for all ) ዝተባሀለ ትካል ካብ ዞባታትን ወረዳታትን ንዝመፁ ዳያኑ፣ ረጂስተራርን ተሸየምቲ ጉባኤ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈትን አብ አብያተ ፍርዲ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕን ዘለው ፀገማትን ፈሊኻ ንቐፃሊ ፍትሒ ንምርግጋፅን ዝዓለመ ኣብ ዝተዳለወ መድርኽ’ዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *