“ንዝተጉሓለ ኩንታላት ፈሓም ንምሓዝ ሃንደበት ኣብ ሓደ መንበሪ ተጠርጣሪ ኣብ ዘካየድኩዎ ተፍትሽ ዝተዘርአ መዐወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ረኺበ።” – ፖሊስ ከተማ መቐለ።

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት 10 ኩንታል ፈሓም ተበዳሊ ብዝሃቦ ሓበሬታ ንዝጎሓለ ፈሓም ንምሓዝ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ንዝተጉሓለ ፈሓምን ፤ ተጠርጣሪ ኣብ መረባ ገዝኡ ንዝተዘርአ ሓሽሽ ካናቢስ እንዳሓብሐበ ከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓለ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ ሙሉ ኣብርሃ ገሊፆም።

እቲ ብ10 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. 10 ኩንታል ፈሓም ዝጉሓለን ንመዐወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ኣብ መረብኡ ዘሪኡ ዝተትሓዘን ተጠርጣሪ ጉዳዩ ብሕጊ ዕልባት ክረክብ መስርሕ ምእካብ መረዳእታ ይውግን ከምዘሎ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *