ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጉዳይ ትግራይ ልዑል ኣቓልቦ ሂቦም ንዝተንቀሳቐሱ ኣባላት ኮንግረንስ ሞሳ ከምዝግብኦም ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ።

21 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ፕረዝደንት ጌታቸው ኣብ ቤት ፅሕፈት ባይቶ ኣሜሪካ ምስ ኣባል ኮንግረንስ ብራድ ሸርማን ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን እዩ ነዚ ዝገለፁ ።

ሕዚውን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘለውሉ ጭቡጥ ኩነታት መብርሂ ዝሃቡ ፕረዝደንት ጌታቸው ብፍላይ ምስ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ንዘስዓቦ ምሒር ማሕበራዊ ቅልውላው መብርሂ ሂቦም ።

ኣባል ኮንግረንስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ብወገኖም ምስ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሩ ዘሎ ሳዕቤናት ብፍላይ ድማ ንኣዝዩ ሓደጋ ዝተቓልዑ ብ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ወገናት ጉዳይ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎምን ነዚ ጉዳይ ፍታሕ ክርከበሉ ከምዝሰርሑ ከምዘረጋገፅሎም ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ተጠቃሚ ብዝግባእ ክበፅሐሉ ዝኽእል መስርሕ ምትእትታው ኣገዳሲ ሙኻኑ ብክልቲኦም ወገናት ዝተገለፀ ኮይኑ በዚ መዳይ ብወገን ትግራይ ምስ ፌደራል ኮነ ምስ ዝምልከቶ ኣካላት ብሓባር ንምስራሕ ድልውነት ከምዘሎ ምግላፆም ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘካፈልዎ ሓበሬታ የመላኽት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *