“ንኤርትራ ክህቦ ሓሰበዮ ዝነበርኩ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዩሮ ገዲፈዮ’ለኹ፡፡”- ሕብረት ኣውሮፓ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ንኤርትራ ክህቦ ሓሰብዎ ዝነበረ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዩሮ ገዲፈዮ’ለኹ ክብል ኣፍሊጡ ዘሎ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን ኣንፃር ሕብረት ኣውሮፓ ብዝኸፈቶ ሕጋዊ ክሲን ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣውሮፓ ድሕሪ ተኸታታሊን ፅዑቕን ነቐፌታታት ‘ብሕጂ ፅርግያ የለን’ [‘no more roads’] ዝብል መርገፂ ምውሳዱ ስዒቡ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡ጠበቓ ናይቲ ተሓላቒ ጉጅለ መሰላት ‘ከነዲ ቫን ደር ላን’ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ ነቲ ብሕዚ ንተመሳሳሊ ዕላማ ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ገንዘብ ከምዝገደፎን ንኻልእ መዓላ ከምዘዉዕሎን ካብ ሐዚ ንድሓር ኮምሽን ሕብረት ኣዉሮፓ ንመስርሒ መንገዲ ፅርግያ ተባሂሉ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡መንግስቲ ኤርትራ ንመስርሒ መንገዲ ፅርግያ ካብ ሕብረት ኣዉሮፓ ዘይተኣደነ ገንዘብ እንዳሓተተ ንቲ ፅርግያ ግን ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብጉልበት ዜጋታት እንዳስረሐ ዘይግበኦ ረብሓ ሸርፊ ወፃኢ ንምምእራርን ኣብ ዘይመዓልኡ ንምዉዓልን ዘሰለስሎ ንዘሎ ቀይናን መስርሕ ሕብረት ኣዉሮፓ ኢድ ከምዘለዎ ኣብ ልዕሊኡ ቡርቱዕ ተቓዉሞን ስሩዕ ክስን ምስተመስረቶ ስዒቡ ሕብረት ኣዉሮፓ ብዝገበሮ ምርድዳእ’ዩ ንቲ ሓገዝ ክስሕቦ ኣብ ስምምዕ በፂሑ ዘሎ፡፡ሕብረት ኣዉሮፓ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ምትዕራቑ ስዒቡ መሪሕነት ህግደፍ ንመስርሒ ፅርግያ ሓገዝ ንኽወሃቦ ስለዝለመኖ ሕብረት ኣዉሮፓ ንኤርትራ ካብ ሞንጎ ብሓገዝ ንምሃብ ቃል ዝኣተዎ 60 ሚልዮን ዩሮ ንቲ 50 ሚልዮን ዩሮ ሙሉእ ብሙሉእ ደዉ ከምዘበሎን ብምግላፅ ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይቕረታ ሓቲቱሎ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ደቂሰባት ፣ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ግዱድ ስራሕ ጊላነት ዜጋታቱ ክኽሰስ ምፅንሑ ይፍለጥ ይብል ቢቢሲ።


1+
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments