ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ብድጎማ ዝወሃብ ዝነበረ ነዳዲ ካብ 1 ጥሪ – 30 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ 6 ኣዋርሕ ካፍቲ ዝነበሮ ዋጋ ድጎማ ነዳዲ ክንኪ ከም ዝተወሰነ ሚኒስቴር ንግድን ምትእስሳር ከባብን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ቅድም ክብል ዝነበረ ዋጋ ድጎማ ነዳዲ ብ22.36 ብር ዝነበረ ብሕሳብ 19.16 ብር ክወሃብ ንፃዕዳ ናፍጣን ኬሮሲንን ብብር 23.21 ንሊትሮ ዝነበረ ዋጋ ድጎማ ነዳዲ ናብ 19.89 ብር ፣ 12.78 ብር ዝነበረ ዋጋ ድጎማ ነዳዲ ቤንዚን ናብ 6.39 ብር ንሊትሮ ፣ ንፃዕዳ ናፍጣን ኬሮሲንን ብ13.27 ብር ዝነበረ ዋጋ ድጎማ ነዳዲ ናብ 6.63 ብር ንሊትሮ ወሪዱ ክሽየጥ ከምዝተወሰነ ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *