መሰከረም 14 01 2016 ዓ/ ም
ብመሰረት እዚ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣብ ምጅማርን ኣዋህባን ግልጋሎት መሬት ዝጠመተ ዋዕላ ሎሚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ እሂን ምሂን ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ብዘይካ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣመሓደርትን ከንቲባታትን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከባ ወረዳታት ኩሎም ይሳተፉ ኣለው።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ መሬት ተታሒዞም ዝለዓሉ ፀገማት ብመፅናዕቲ ንምፍታሕን ናብ ስሩዕ መስርሕ ንምእታውን ይስራሕ ከምዘሎን – ግልጋሎት መሬት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅመርን ተፈሊጡሎ።