ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ክልላት ኢትዮጵያ ብከቢድ ሓደጋ ድርቂ ንዝተሃስዩ ን6.6 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝጠናኸረ መልክዑ ከምዘቕርብ ኮምሽን ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ኣይኮነን’ዶ ጥሜት ዘስዓቦ ሞት ናብ ብርኪ ጥሜት ዝተሰጋገረ ሰብ ምህላው ዝተረጋገፀ ነገር የለን’ ኢሎም ኣሉ ቀጣን ክብሉ ዝቀነዩ ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ዶ/ር ሽፈራው ተኽለማርያም ኣብ ሐዚ በፂሖም ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ክልላት ብሓደጋ ድርቂ ንዝተሃሰዩ 6.6 ወገናት ዝተጠናኸረ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስልሳል ከምዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

3.3 ሚልዮን ቶን ኩዙን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘሎ ዝተኣመኑ እቶም ኮምሽነር ሰብኣዊ ሓገዝ ለገስቲ ትካላት’ውን ደገፎም ኽገብሩ’ዮም ክብሉ ኣተንቢሆም።

እቲ ዝተጠናኸረ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ ከምዝዘልቕ አብሪሆም’ለው።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *