ንሰራዊት ትግራይ ሓዊሱ ዕጥቂ ኣብ ምፍታሕን እግሪ ናይ ምትካልን ናብ ህዝቢ ክፅምበሩን ኣብ ምፍፃምን ንኽሰርሑ ብፌደራል መንግስቲ ዝተመዙ ኮምሽን ኮምሽነር ሃገራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋን ምክትል ኮምሽነር ንዝነበሩ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገበን ካብ ፌደራል መዝነቶም ከምዝተልዓሉ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ዝነበሩ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ካብ መዝነቶም ብዝሓተትዎ መሰረት ከምዝተልዓሉ ዋላ’ኳ እንተተገለፀ ምክትል እቲ ኮምሽን ዝነበሩ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ’ውን ምኽንያቱ ብዘይተነፀረ ሎሚ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም ከምዘለው ሐዚ ኣማስዩ እቲ ኮምሽን ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብ ሎሚ ጀሚሮም ንቲ ኮምሽን ክመርሑ ኣይተ ተመስገን ጥላሁን ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ኮይኖም ከምዝተመደቡን ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ድማ ምክትል ኮምሽን ኮምሽነር ኮይኖም ሎሚ ከምዝተሸሙ እቲ ዕላዊ ገፅ ገሊፁ።

ብዘይካ’ዚ ብሚኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሒ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስን ካልኦት 5 ሰብ መዚ ንቲ ኮምሽን ብቦርድ ዝመርሑ ኣባላት’ውን ተመዲቦም ከምዘለው እቲ ዕላዊ ገፅ ሓቢሩ።

ኮምሽን ኮምሽነር ዝነበሩ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንመስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን ካልኦት ዑጡቓትን ጉቡእ መፋነዊ ክፍሊት ንምኽፋል ብመንግስቲ ፌደራል ዝተመደበሎም በጀት ከምዘየለን ከምዝተፀገሙን ብተደጋጋሚ ሕቶ እንዳቕረቡ ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ ብፍቓዶም ድዮም ተገዲዶም ተላዒሎም ንዝብል ሕቶ ግን ዛጊድ ዝበልዎ ነገር የለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *