ንመንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ዘግለለ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዝተረኽብሉ ክታም ስምምዕ ሰላም ሱዳን ተኸቲሙ፡፡

ኣብቲ ትማሊ ቀዳም 23 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ፣ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦት ዕዱማት ሰበ ስልጣንን ከምዝተረኸቡን እንተኾ ግን መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናትን ዝኸተምዎ ኣገዳሲ ስምምዕ ዘይተሳተፈትሉ ምኽንያት ኣይተነፀረን።ገለ ካብቶም ዝተረኽቡ ዕዱማት፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሳህለ-ወርቂ ዘውደ፣ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብፂ ሙስጠፋ ማድቡለይ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኳታር መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣልታኒ፣ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮፓ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦትን ‘ዮም ክብል ሬድዮ ኤረና ፀብፂቡ።ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ እትርከብን ጎረቤት ሱዳን ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ስምምዕ ናይ ምኽታም ኣጋጣሚ ዋላኳ ዘይተረኸበሉ ምኽንያት ተዘይገለፀ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ጁባ ኣብ ዝተኸየደ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ሱዳን ድሕሪ ምስታፎም ሎሚ 24 መስከረም 2012ዓ ዓ.ም. ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዮም ኣለዉ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments