ንልዕሊ 84 ከተማታት ብኣባልነት ዝሓቖፈን ከተማነት ንምስፍሕፋሕን መነባብሮ ነበርተን ንምምሕያሽን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንምብርካት ዓሊሙ ዝተጣየሸ መድረኽ ምትሕብባር ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኣኼብኡ የሰላስል ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መድረኽ ከንቲባታትን ተወከልትን ኩለን ከተማታት ትግራይ ይሳተፉ’ለው።

ኣካያዲ ስራሕ መድረኽ ምትሕብባር ከተማታት ኢትዮጵያ ኣይተ ኣንዱኣለም ጤናው ከምዝገለፅዎ ኣብ ከተማታት ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዝርከቡ ኣካላት ኣመራርሓ ዝተውሃቦም ልእኽቶ ብብቕዓት ንምፍፃም ዝገብሩዎ ፃዕሪ ዕዉት ንክኸውን ኣድላዪ ዘበለ ድጋፍ ከምዝግበር ቃል ኣትዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *