ተጋሩ ዲያስፖራ ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ከተማ ሪያድ ድሕሪ ምስላጦም – ንህዝቦምን ዓዶምን ክብሉ ታሪኽ ዝሰርሑ ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ዕላማ ናብ ሸትኡ ንምብፃሕ ብዝተወደበን ዝተጠናኸረን መንገዲ ስድራ ሰማእታትና ክንሕብሕቦም ኢና ኢሎም ኣቦ ወንበር ሕብረት ተጋሩ ሪያድ መምህር ደስታ ኣብርሃ፡፡
ኣቦ ወንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሪያድን ከባቢኣን መምህር ኣማኑኤል መብራህቱ ብወገኖም ሓድነትና ብምጥንኻር ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡