“ንህዝብናን ስድራ ስውኣትን ኩለ መዳያዊ ደገፍ ክንገብር ኢና።” – ዲያስፖራ ተጋሩ ከተማ ሪያድ ።

ተጋሩ ዲያስፖራ ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ከተማ ሪያድ ድሕሪ ምስላጦም – ንህዝቦምን ዓዶምን ክብሉ ታሪኽ ዝሰርሑ ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ዕላማ ናብ ሸትኡ ንምብፃሕ ብዝተወደበን ዝተጠናኸረን መንገዲ ስድራ ሰማእታትና ክንሕብሕቦም ኢና ኢሎም ኣቦ ወንበር ሕብረት ተጋሩ ሪያድ መምህር ደስታ ኣብርሃ፡፡

ኣቦ ወንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሪያድን ከባቢኣን መምህር ኣማኑኤል መብራህቱ ብወገኖም ሓድነትና ብምጥንኻር ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ፍሉይ ታሪኽን ጅግንነትን ዝፈፀሙ እዞም ስውኣትና ዝንተ እለት እናተዘከሩ ዝነብሩን ንሕና ድማ ሕድሮም ብምቕባል ተግባራዊ ኣብ ምግባር፣ ስድራ ሰማእታትና ብቐፃልነት ደገፍና ክነሐይልን ኣብ ዳግመ ህነፀት ትግራይ ድማ እጃምና ክንፍፅም ይግባእ ኢሎም ከም ፀብፃብ ኤመሓት፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *