ንህዝቢ ከተማ መቐለ ንኣገልግሎት ቀረብ ዝስተ ማይ ዝህብ ግድብ ገረብ ሰገን መጋቢ ማእኸላይ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ (ቮልቴጅ KO-9) ተጓሒሉ።

ናብ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ፀላም ጉልባብ ብምግባር ንህዝቢ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ቀረብ ዝስተ ማይ ንዝህብ ግድብ ገረብ ሰገን መጋቢ ማእኸላይ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ (ቮልቴጅ KO-9) ዘገልግል ዝነበረ ንጊዚኡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ቁጥምታት ተጓሒሉ ከምዝሓደረ ርክብ ህዝቢ ሓይሊ ኤሌትሪክ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሓይሊ ኤሌትሪክ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ግርማይ ግደይ ንክፍሊ ማሕበራዊ ሚድያ ትካልና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ንጋምራን ጨለቖትን ዝወስድ ሓይሊ መስመር ኤሌትሪክ ተመሳሳሊ ጉሕለት ከምዝተፈፀሞን ሐዚ ድማ ንሳልሳይ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ ንህዝቢ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ቀረብ ዝስተ ማይ ንዝህብ ግድብ ገረብ ሰገን መጋቢ ማእኸላይ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ (ቮልቴጅ KO-9) ዘገልግል ዝነበረ ከምዝተጉሓለ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ንኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ ኮምፖክት ትራንስፎርመር መጋቢ HT UG ገመድ ኤሌክትሪክ ብምዕናዉ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ እቲ ከባቢ ከምዝተቛረፀ ኣፍሊጦም።

ብተደጋጋሚ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝበፅሕ ዘሎ ጉሕለት ብኣግኡ ንምክልኻል ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ብንቕሓት ኣንፃር እዞም ጒሒላታት ደው እንተዘይሎም ንህዝቢ ኣገልግሎት ምሃብ ትካሎም ከምዝፅገም ኣይተ ግርማይ ኣገንዚቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *