ንህዝቢ ትግራይ ዝምጥን መንግስቲ ንምፍጣር ዘኽእልን ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ዕላማ ዝገበረን መድረኽ ይሳለጥ’ሎ።

ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራተይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣፍቲ ገምጋማዊ ዋዕላ ኮሜቴ ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣድሂቡ ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ከምዝገለፅዎ እቲ ፕሮጀክት ሪፎርም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝወሰዶ ተበግሶ ዝተጀመረ ከምዝኾነን ዓበይቲ ለውጢታት ንምምፃእ ዝዓለሙ ዝርዝር መፅናዕቲታት ብቐዳምነት ከምዝተሰርሑን ገሊፆም ።

እቲ ፕሮጀክት ሪፎርም ንህዝቢ ዝጣበቕ ንህዝቢ ፅቡቕ መልሲ ዝህብ መንግሰቲ ክህልው ምግባር ዝዓለመ እዩ ዝበሉ እንትኾን ብመሰረቱ ህዝቢ ዘገልግል መንግስቲ፣ቀዋሚ ዝኾነ ህንፀት ስርዓተ መንግስቲ እንጅምረሉ ከይዲ እዩ ክብሉ ጀነራል ፃድቃን ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ዝግበር ለውጢ ፓለቲካ ባዕልና ተጋሩ እንሰርሖ ስራሕን ዕማምን’ዩ ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን ገ/ ትንሳኤ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ኩሉ ብማዕረ ዝሳተፈሉ ዕማም’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ተወካሊ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ሳሙኤል ዶ ብወገኖም ድሕሪ ኩናት ዝፈረሱ ትካላት ኣብ ምህናፅ ፣አሳታፋይ ስርዓት ምሕዳራ ምምስራት ከምኡ እውን ዴሞክራሲ ኣገዳስን ወሳንን’ዩ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኣካላት ፍትሒ ፣ሲቪል ሰርቪስ ፣ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ ድማ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ውድባት ፓለቲካን ሲቪል ማሕበረሰበን ትኹረት ከምዝግበር ሚስተር ሳሙኤል ዶ ገሊፆም ።

ኣብቲ ዋዕላ ኣካላት ፍትሒ፣ ሚድያ፣መንግስቲ፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ውድባት ፓለቲካ፣ ሲቪል ሰርቪስ ፣ቤት ፍርዲ ከም መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዕላዊ ምዃኑ ዝተሓበረ እንትኾን ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ሓደ ዓመት ዝትግብር ምኻኑ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልምዓት ፕሮግራም(UNDP) ኣብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ጉጅለ ስርዓተ ምሕደራን ህንፀት ሰላምን ኣይተ ፍስሃ መኮነን ገሊፆም።

ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ፣ሲቪል ሰርቪስ ኮሚሽን፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ፓሊስ ኮሚሽን፣ ቤት ህንፀት ፣መራኸብቲ ሓፋሽ፣ሲቭል ማሕበረሰብ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ እዩ።

ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ በቲ ኩናት ዝፈረሰ ስርዓት ምሕደራ ናብ ስሩዑ ተግባራት ስራሕቲ ምሕደራ ምምላስ ዕላማ ዝገበረ ምኻኑ ድማ ተገሊፁ እዩ።

ነቲ ፕሮጀክት 5 ሚልየን ዶላር በጀት ተመዲብሉ ዝፍፀም ዘሎ ምዃኑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

See insights and ads

Boost post

All reactions:

6262

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *