ናብ ሶማሊላንድ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ሶማልያ ምኽልካላ ስዒቡ ልኡኽቶኣ ከይፈፀመት ክትምለስ ተገዲዳ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብታ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትቖፅርን ሶማሊላንድ – ሃርጌሳ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ቅድሚ ምእታዋ መንግስቲ ሃገረ ሶማል ከምዝኸልከላ ተሓቢሩ።

እታ ቁፅሪ በረራኣ ET8372 ዝዀነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ፍቓድ የብላን ብዝብል ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ ክትዓልብ ከምዝተገደደት ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው “በረራ ምስ ጀመረት፡ ብወገን ሶማልያ ፍቓድ ኣይሃብናን ዝብል ሕቶ ስለዝተለዓለ” ክትምለስ ምኽንያት ከምዝዀነ ኣብሪሆም።

እንተዀነ እታ ቁፅሪ በረራ ET8372 ዘለዋ ዲ ሃቪላንድ-400 ነፋሪት ንግሆ 2፡30 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ሃርጌሳ ክትበርር ድሕሪ ምፅንሓ 4፡30 ካብ ከባቢ ጂግጂጋ ናብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክትምለስ ከምዝተገደደት ወሲኾም ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ መግለፂ ቁፅሪ በረራ ET8372 ካብ ሶማልያ ክትረኽቦ ዝግብኣ ፍቓድ ስለዘይነበራ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ በረራ ናብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ክትኣቱ ኣይተፈቕደላን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *