ናብ መረበቶም ዝተመለሱ ተመዛበልቲ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዑጡቓት ዳግም ግዳይ ጨፍጫፍ ኮይኖም፡፡

ድሕሪ’ቲ ከበድ ጨፍጫፍ ህዝቢ ዞባ መተከል “ድሕሪ ሐዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣይፍጠርን ሓላፍነት ክንወስድ ኢና” ተባሂሎም ናብ መረበቶም ዝተመለሱ ተመዛበልቲ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዑጡቓት ዳግም ግዳይ ጨፍጫፍ እቶም ዑጡቓት ኮይኖም፡፡ኣቦ ወንበር ብልፅግና ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንዝተፈጠረ ጨፍጫፍ ህዝቢ ስዒቡ ብምክትሎም ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ናብ ከባቢ ዞባ መተከል ብኣካል ብምዉራድ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሮምን እቲ ጨፍጫፍ ህዝቢ ክፍፀም ከሎ ስራሕን ሓላፍነቶምን ኣይተዋፅኡን ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ኣካላት ስጉምቲ ብምዉሳድ ኩለ መዳይ ምትዕርራይ ተገይሩሎ ክብሉ ምንያቶም፤ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብቲ ዞባ እንዳሃወ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዑጡቓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳግም ቅትለትን ጨፍጫፍን ከምዝተፈፀመ ተረጋጊፁ’ሎ፡፡በቲ ንፀላም ከዉሊ ብምጥቃም ዝተወሰደ ሃንደበታዊ ጨፍጫፍ ልዕሊ 20 ሰለማዉያን ሰባት ከምዝተቐተሉን እዚ ኹሉ እንትግበር ህዝቢ እቲ ከባቢ ሓገዝ ኽግበረሎም ድምፆም እንተስምዑ ንቶም ግዳያን ሰለማዉያን ሰባት ዘድሕን ይኹን ዝከላኸል ኣካል ፀጥታ ከምዘይተረኸበ ተፈሊጡ’ሎ፡፡ ንቲ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ንምዉሳድ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከምዘይገበረን ንዚ ዝቐረበ ኣመኽንዮ ኣካላት ፀጥታ ድማ እቲ ጨፍጫፍ ዝተፈፀመሉ እዋን ለይቲ ብምንባሩ ልዕሊ ዓቕሙ ከምዝኾነ’ዩ ሓቢሩ ዘሎ፡፡ንዚ ጃምላዊ ቅትለት ቅድሚ መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ምስምዑን መግለፂ ምሃቡን መራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ እንዳተቐባበላ ከምዝፀብፀበኦን ተሓቢሩ’ሎ፡፡ቅድሚ ቁሩብ መዓልትታት ኣብ ካልኣይ እግሪ መጥቓዕቲ ብዝበፅሐ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ካብ ቤት መረበቶም ዝተመዛበሉ ንመንበሪ ከባቢኦም ንምላላስ ከምዝሰግኡ ገሊፆም ከምዝነበሩን እንተኾ ግን ብኣካላት ፀጥታ እቲ ክልልን ፌደራልን ‘ድሕሪ ሐዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣይፍጠርን ሓላፍነት ክንወስድ ኢና’ ኢሎም ናብ መንበሪ ከባቢኦም ምስተመለሱ ህዝቢ ግዳይ እዚ ጨፍጫፍ ከምዝኾነ ኣቦ ወንበር እታ ጣብያ ንቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም ክብል ሬድዮ ዋዜማ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments