ነፍስ ወከፍ ዜጋታቱ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ካብን ናብን ምንቅስቓስ ዝደረተ ስርዓት ጃንዳ ህግደፍ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ንጉዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ንሳዋ ብሓይሊ ካብ ሞንጎ ዘዉረዶም ተምሃሮ እቶም 3 ብሰንኪ ውሕጅ ከምዝሞቱ ተገሊፁ፡፡

ስርዓት ጃንዳ ህግደፍ ካብ መፈለምትኡ መናእሰይ ደቆም ብሰንኪ ዘሎ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሳዋ ንኸይወርዱ ስግኣቶም ብምግላፅ ስምዕተኦም ከብፅሑ ንዝፀንሑ ስድራቤት ፀማም እዝኒ ብምሃብ ደቆም ክወርዱ ከምዘለዎም ጉዱድ መምርሒ ምሃቡ ስዒቡ ካብ ሞንጎ ናብ ሳዋ ዝወረዱን ኣብ ማእቶት ዝነበሩን ሰለስተ ተማሃሮ ብውሕጅ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ፤ስርዓት ህግደፍ ንስድራቤት እቶም ግዳያት “ደቅኹም ጉቡኦም ክፍፅሙ ተሰዊኦም ኣለዉ” ክብል ከምዘርደኦም ሬድዮ ኤረና ፀብፂቡ፡፡እቶም ኣብ ከባቢ ሩባ ሳዋ ብውሕጅ ዝተውስዱ ተዓለምቲ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም’ዮም ናይ 11 ክፍሊ መዛዘሚ ትምህርቲ ንምውዳእ ብዝብል ምስ ኣሽሓት መዛንኦም ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ብጉዱድ መምርሒ’ዮም ወሪዶም።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments