ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ከተማ መቐለ ተሳፈርቲ ፅዒና ከላ ሓደጋ ምንሽርታት ከምዝገጠማ ተገሊፁ።

ሽሞም ክፅረሐሎም ዘይበሃጉ መቕርብ ስራሕ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ከምዝሓበርዎ እታ ነፋሪት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ሓደጋ ምንሽርታት ከምዝበፅሓን ካብ ቀንዲ መንገዲ ከምዝወፀትን እንተኾነ ግን ኣብ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ኣረዲኦም።

እታ ነፋሪት ንዝበፅሓ ሓደጋን ጠንቂ እቲ ፀገምን ይፃረ ከምዘሎ’ውን ወሲኾም ገሊፆም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *