ነፃ ትውልዲ ሲቪክ ማሕበር ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ሽረ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ልዕሊ 500 ሽሕ ብር ዝዋጋኡ ኣልባሳት ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ኣካይዲ ስራሕ ትካል ገባሪ ሰናይ ነፃ ትውልዲ ኣይተ ሚኪኤል ታረቀ እቲ ሓገዝ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ብዝተረኸበ ልዕሊ 500 ሽህ ብር ዝትዓደገ ኣልባሳት ምዃኑ ብምሕባር እዚ ድማ ፀገም ኣልባሳት እቶም ተመዛበልቲ ንምቅላል ዝዓልመ እዩ ኢሎም ።

ንዝተገብረልና ሓገዝ ኣዚና ነመስግን ዝብሉ ሓገዝ ዝተገብረሎም ወገናት ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ተላብዮም።

ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣይተ ገብረመድህን የውሃንስ እቶም ገበርቲ ሰናይ ዝገብርዎ ሓገዝ ብምንኣድ ፀገም እቶም ተመዛበልቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ኩሉ ወገን ሓገዙ ከዕዝዝ ይግባእ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ሚሚ ገብረመስቀል ዝተብሃለት ነጣፊት ማሕበረዊ ሚድያ መናእሰይ ሽረን ካልኦት ድያስፖራን ተጋሩን ብምትሕብባር ኣስታት 250 ሽህ ብር ዝዋጋኡ 800 ክዳን ዓብዪ ጉያ ከተማ ሽረ ነቶም ተመዛበልቲ ኣበርኪታ እያ ከም ፀብፃብ ኤመሓት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *