ትካል’EYES’ ን400 ጎደና ሓደር እንግዶት ምሳሕ ገይሩ።

ትካል ምግባረ ሰናይ ኣይስ ካብ ክልተ ግዱሳት ኢንግሊዛውያን ወገናት ዝተረኸበ 261 ሽሕ ብር ምስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ኣቡነ ሰላማ ከሰቴ ብርሃን ብምትሕብባር ብምኽንያት በዓል ልደት ን400 ጎደና ሓደር ወገናት እንግዶት ምሳሕ ገይሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት እንግዶት ምሳሕ ዝተረኸቡ ሊቀ ጳጳስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብፁእ ኣቡነ ዮውሃንስ እዛ ፀባብ ግዜ ሰብኣውነት ኣቐዲምና ነኒባዕልና ብምትሕልላይን ብምትሕግጋዝን ክንሓልፋ ይግባእ ክብሉ መልአኽቶም ኣሕሊፎም።

ኣካያዲ ስራሕ ትካል ምግባረ ሰናይ ኣይስ/ EYES/ ኣይተ ብስራት መስፍን ጉዳይ ሰብኣውነት ዶብ ከምዘይብሉ ዶ/ር ዴቪድን ኣንጄላን ዝተባሃሉ ኢንግሊዛውያን ዝገበርዎ ሓገዝ ምስክር ከምዝኾነ ብምግላፅ ነዞም ጎደና ሓደር ወገናት ዝግበር ሓገዝ ኣብ ዓመት በዓል ጥራሕ ከይተወሰነ ካብ ጎደና ህይወት ወፂኦም ዓርሶም ዝኽእልሉ ዕድል ንምፍጣር ትካል ኣይስ ምስ መድረግቲ ትካላት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

እንግዶት ምሳሕ ዝተገበረሎም ጎደና ሓደር ወገናት እቲ ዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ካብ ጎደና ሓደርነት ወፅዮም ተስፋ ትግራይ ናብ ዝኾኑሉ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ብዘላቕነት ሓገዝ ክግበረሎም ከም ዘለዎ ተላብዮም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *