ትካል ዊሊንግ ኦፍ ሂሊንግ ብሰንኪ ኲናት ንዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ብልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ናውቲ ሕክምና ለጊሱ።

25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ዊሊንግ ኦፍ ሂሊንግ ዝተብሃለ ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዝነጥፍ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራር ስዒቡ ኣብ ትካላት ጥዕና ብዘካየዶ መፅናዕቲ ሙሉእ ንብረተን ንዝተወረረን ዝዓነዋን ኣርባዕተ ትካላት ጥዕና ስራሕ ንምጅማር ብልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ንዝዓደጎም ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ለጊሱ፡፡

ሰብ ሙያ እተን ትካላት ጥዕና ነቲ ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ነዚ ሰናይ ተበግሶ ከስዕብዎ ተላብዮም ከም ፀብፃብ ኤመሓት፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *