ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት 58 ቢሊዮን ብር ዓማዊላ ከምዝዓቖሩን ልዕሊ 33 ቢሊዮን ብር ድማ 41% ሕርሻ ማእኸል ንዝገበሩ ዝርከብዎም ከምዘለቀሐትን ኣፍሊጣ።

ኣካየዲ ስራሕ ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት 58 ቢሊዮን ብር ዓማዊላ ከምዝዓቖሩን ልዕሊ 33 ቢሊዮን ብር ድማ ሕርሻ ማእኸል ንዝገበሩ ዝርከብዎም ከምዘለቀሐትን ኣፍሊጦም።

ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምስላፍ ማሕበረ ቁጠባዊ ለውጥታት ክምዝገብ ኣበርክቶ ዝገበረት ደደቢት ትፍልም ዝተማለአ ግልጋሎት ፋይናንስ ብምሃብ መጠን ድኽነት ህዝቢ ንምንካይ፣ ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ምንቕቓሕ ቁጠባን ዝብሉ ዝርከብዎም ራኢ ሒዛ ቅድሚ 30 ዓመት ስራሕ ከምዝጀመረት ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ገሊፆም።

ዝበዝሕ ተለቃሒ ማለት’ውን 75 ሚኢታዊ ሓረስታይ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሙሉጌታ ፣ድሕሪ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እውን 2.1 ቢሊዮን ብር ልቃሕ ከምዝሃበት ሓቢሮም።

ንኲናት ጆኖሳይድ ትግራይ ስዒቡ ልዕሊ 6.8 ቢሊዮን ብር ዕንወት ከምዝበፀሓን 2.3 ቢሊዮን ብር ወለድ ምሕረት ከምዝገበረት እውን ኣይተ ሙሉጌታ ገሊፆም።

እታ ትካል መበል 30 ዓመት ምስረተኣ ከምተኽብርን። ብዓል ምስረታኣ ብስራሕ ኣብ ኩሎም ጨናፍር ከምዝኽበርን ወሲኾም ኣረዲኦም።

1010

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *