ትካል ልምዓት ሆላንድ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየዱ ውግኣት ሃስያ ንዝበፅሖም ሓረስቶት ዝውዕል ዘርኢ ፍረምረን ኣሕምልትን ደጋፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብጎንፂን ድርቂን ንዝተሃስዩ 4 ሽሕ ሓረስቶት ዝውዕል ዘርኢ ፍረታትን ኣሕምልትን ድጋፍ ከምዝገበረ ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ሆላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊ ግራሃም ኣረዲአን።

እተን ዳይሬክተር ብድምሩ 4 ሽሕ ፍረ ዘርኢ ኢሕምልትን ፍራፍረን ንሚኒስትሪ ሕርሻ ፌደራል ከምዘረከባን እቲ ድጋፍ ዘርኢ ቱፋሕ፣ ኮሚደረ፣ ጉዕ በርበረን ካልኦትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣረዲአን።

እቲ ትካል ድጋፍ ዘርኢ ዝህብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓፈሻዊ ስልጠናታት ምፍራይ ፍረታትን ኣሕምልትን ከምዝህብ እውን እተን ዳይሬክተር ወሲኸን ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *