ትማሊ ወናኒ ክብረወሰን ማራቶን ዓለም ኬንያዊ ኬልቪን ኪፕቱም ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝፈፀት ሃገረ ኬንያ ትማሊ ኣብ ሃገረ ካሜሮን ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ውድድር ኣኽራን ዝተሳተፈን ዝተዓወተን ወዲ 33 ዓመት ኣትሌት ሃንደበት ኣብ ስነስርዓት ሽልማት ከሎ ህይወቱ ብምሕላፉ ካልኣይ ሙኩር ኣትሌት ብሞት ስኢና።

ወዲ 33 ዓመት ኬንያዊ ኣትሌት ኪፕሳንግ ኪፕኮሪረ ትማሊ ሃንደበት ኣብ ስነስርዓት ሽልማት ከሎ ምውዳቑ ስዒቡ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወሰደ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብምውካስ ማዕኸን ዜና ዥንዋ ፀብፂቡ።ኣትሌት ኪፕሳንግ ኪፕኮሪረ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ኣትሌቲክስ ኣኽራን ካሜሩን ንውድድር ኣኽራን 1ይ ደረጃ ሒዙ እናመርሐ ብዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና ንደቓይቕ ደው ኢሉ ድሕሪ ምፅናሕ ውድድሩ ከምዝቐፀለን ነቲ ውድድር ምስ ወድአን ምስተዓወተን ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ሽልማት ሃንደበት ምስወደቐ ንሕክምና’ኳ ተተወሰደ ህይወቱ ንምትራፍ ከምዘይተኽኣለ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣፍቲ “ካሜሮን ማውንተይን ራን” ቡዙሓት ኣትሌታት ዝሳተፉሉ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ ኣፍቲ ቅድድም ጉያ ኣትሌታት ሃገራት ኢትዮጵያ ፣ ኮንጎ ፣ ፈረንሳይ ፣ ኬንያ ፣ ሊባኖስ ፣ ሞሮኮ ፤ ታንዛንያ ፣ ቻድ ፣ ቱኒዝያን ካሜሩንን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ተቐዳደምቲ ከምዝተሳተፉን ብሃንደበታዊ ሞት እቲ ኣትሌት ከምዝሰንበዱን ዥንዋ ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *