ታይዋን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ካብ ዝተርኣየ ንላዕሊ’ዩ ብዝተብሃለሉ ሓያል ርዕደ መሬት ተወቒዓ። ኣብ ልዕሊ ንዋትን ህይወት ሰባትን ጉድኣት በፂሑ።

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ታይዋን ዘጋጠመ 7.4 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለን ካልኦት ቡዙሓት ብዝፈረሰ ህንፃ ዝተደብዩ ዜጋታት እታ ሃገር ትንፋሶም ንምውሓስ ኣሃዱታት ህይወት ኣድሕን ይጓየዩ ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ራዕዲ መሬት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ካብ ዝተርኣየ እቲ ዝለዓለ’ዩ ዝተብሃለሉ ኣብታ ሓውሲ ደሴት ዘጋጠመ ዝሓየለ ዝተበሃለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ገዘፍቲ ህንፃታት ናብ ሓመድ ቀይሩ ንዓበይቲ ጎቦታት’ውን ከምዘላሃዮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብሓያል ምህማም-መሬት ዝተናወጸ ኣኽራናዊ ውሽጣዊ ክፋል ታይዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ታይፐይ ህንጻታት ክነቓነቑ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስልታት’ውን ተዘርጊሑ’ሎ።

“እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ መሬት ዝቐረበ ኰይኑ፡ ከቢድ’ዩ። ኣብ መላእ ታይዋንን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ደሴታትን ተሰሚዑ’ሎ። ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት እቲ ዝሓየለ’ዩ” ይብል ዳይረክተር ማእከል ስነ-ምድራዊ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ታይፐይ ዉ ቺየን ፉ።

ኣብ መላእ እታ ደሴት ምቍራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢንተርነትን ከምዘጋጠመ ተቖፃፃሪ ኢንተርነት ኔትብሎክስ ሓቢሩ።

ቻይና ንታ ግዝኣተይ’ያ ትብላ ታይዋን ብሓያል ራዕዲ መሬት ምውቃዓ ስዒቡ ከም በዓል ኣመሪካ ንቲ ሃጓፍ ተጠቒመን ብጉልባብ ደገፍ ካልእ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ከይሰላሰሉ ልዑል ኣቓልቦ ገይራትሉ’ላ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *