ምክትል ኣዶ መንበር ቤት ምክሪ ፕሪንስ ጆርጅ ካውንቲ ዋላ ብሌጋይ
**********************
( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ቤት ምክሪ ፕሪንስ ጆርጅ ካውንቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ንምቅዋም ኣብ ሜሪላንድ ጉባኤ ዘሳለጠ እንትኮውን ኣብቲ መድረክ ተረኪበን ሓሳበን ዝሃባ ምክትል ኣዶ መንበር ቤት ምክሪ ፕሪንስ ጆርጅ ካውንቲ ዋላ ብሌጋይ ከምዝበለኦ ኣብ ትግራይ ዘለው ኣሕዋትና ኣዝዮም ይሳቐዩ እዮም ዘለዉ ብክብሪ ድማ ክታሓዙ ይግብኦም ድሕሪ ምባለን አዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ከበድቲ ግፍዕታት ደው ንክብልን ሰቃዮም ንከብቅዕን ድማ ህፁፅ ዝኮነ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጠልብ ኣረዲአን ።
ከብዚ በተወሳኪ ምክትል ኣዶ መንበር ቤት ምክሪ ፕሪንስ ጆርጅ ካውንቲ ዋላ ብሌጋይ ከምዝገለፀኦ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም ዓመፅን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምኹና ምስ ቤት ምክሪ ፕሪንስ ጆርጅ ካውንቲን መሳርሕተንን ብሓባር ብምካን ደብዳበ ምፃሓፈን ገሊፀን እየን ።
ከም መጠን ምክትል ኣዶ መንበር ቤት ምኽሪ ይብላ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ወገናት ሰብኣዊ ድጋፍ ንኸይረኽቡ ገደብን ዕንቅፋትን ክህሉ የብሉን ዝብል መርገፂ አዩ ዘለኒ ክብላ ድሕሪ ምግላፀን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ ከይከፋፈል ምዕፃውን ምክልካልን ከምዘሎ ሰሚዕና ኢና እዚ ድማ ዘሕዝን ተግባር እዩ ክብላ ተዛሪበን ።
ብሰንኪ ምክልካል ሬድኤት ኣብ ፀገም ዝርከብ ማሕበረሰብ ብምክንያት ስእነት ምግብን ካልኦት ቀረባትን ብሓለንጊ ጥምየት ይግረፍ እዩ ዘሎ ዝበላ እንትኮና ክሳብ ሐዚ እኩል ምግቢ ኣየረከቡን ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ሓያል ሰቓይ እዮም ዝርከቡ ክብላ ዋላ ብሌጋይ ሓቢረን ።
*************
104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ