(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ብምኽንያት አብ ትግራይ ዝነበረ ወራር ኣብ መአዲ ትምህርቲ ዝነበሩ ህፃውንቲ ኣብያተ ትምህርቶም ዓንየን ገሊአን መዓስከር ተመዛበልቲ ኮይነን ዕድል ትምህርቲ ስኢኖም ድሔሪ ምፅናሕ ሕዚ እውን መሊኡ ዘይተቐረፈ ፀገም ከምዘሎ እኳ ርዱእ እንተኾነ ፀገማት እናፈታሕናን እናተሓጋገዝናን ክንከይድ ኣለና ካብ ዝብል ሰናይ ሓሳብ ብምብጋስ፣ተወለድቲ ወረዳ ዓዴት ንፅጉማት ተማሃሮ ዝውዕል ልዕሊ 339,640 ብር ዋግኡ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ሂቦም ኣለዉ።
እቶም ግዱሳት ወገናት ተወለድቲ ወረዳ ዓዴት ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እቲ ወረዳ፣ ብተወካሊ ኪዳነ ተኽለ አቢሎም ልዕሊ 339,640 ብር ዋግኡ ደፍተር 19,488 ደፍተር ኣረኪቦም።
ኣብቲ ርኽክብ ዝተረኸቡ አቦ ወንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ ልምዓት ዓዴት አይተ ተክኤ ገረዝግሄር ከምዝበልዎ እዚ ብግዱሳት ወገናት ተወለድቲ ወረዳ ዓዴት ዝተዋህበ ሓገዝ ደቅና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ይትረፍ ክመሃሩ ንክነብሩ መሰሎም ተዓፅዩ ፀኒሑ። ካብ መአዲ ትምህርቲ ወፃእ ኮይኖም ምስ ፀንሑ ሕዚ በቲ ዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም መሰረት ንክመሃሩ ውሱን ዕድል ረኺቦም። ሕዚውን ምስ ብዙሕ ፀገም እዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኣትዉ ዘለዉ ዝበሉ ኣይተ ተኪአ፣ ነዚ ዝተረድኡ ተወለድቲ ወረዳ ዓዴት ንፅጉማት ተምሃሮና ዝተገበረ ሓገዝ ዝተባባዕ ኮይኑ ቀፃልነት ክህልዎ ብምልዋብ፣ሕዚ ሕጋዊ ማሕበር መስሪትና ስለዘለና ብማሕበር ተወዲብና ክንተሓጋገዝ ይግባእ ኢሎም።
ዓበይቲ ዓዲ ብወገኖም እዚ ብተወለድቲ ወረዳ ዓዴት ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ካብ ልቢ እናመስገንና ኩሉ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ተወላዲን ፈታዊ ዓዱን ዝኾነ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኢሉ እውን ከም ወረዳና አብ ዘለውና ፀገማት መሰረተ ልምዓት ብውዳበ መልክዕ ክሕግዙን ተጠናኺሮም ክቕፅሉን ኣተሓሳሲቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ።