ተወለድቲ ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ብልዕሊ 700 ሽሕ ብር ንዝዓደግዎ ናውቲ ትምህርቲ ን4 ሽሕ ተምሃሮ ተመዛበልቲ ብሓገዝ ለጊሶም፡፡

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ካብተን ከባቢታት ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ፋፂን ንዝርከቡ ልዕሊ 4 ሽሕ ተምሃሮ ብልዕሊ 780 ሽሕ ብር ዝተዓደገ ናውቲ ትምህርቲ ኣከፋፊሎም፡፡

ተወለድቲ ዓዲ ወኪሎም ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣይተ ፀጋይ ገብረ ህይወትን ኣይተ ገ/ትንሳኤ ሃይሉን ህዝቢ ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ዝኸፈኣ ፀገም ከምዝርከብ ብምግላፅ ሐዚ እውን ተወለድቲን ፈተውቲን ዓዲ ሓገዞም ከምዘጠናኽሩ ገሊፆም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *