“ተቛሪፁ ዝፀንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ድሕሪ 15 መዓልታት ክጅምር’ዩ።” -ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID)

ትካል ተራድኦ ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪፅዎ ዝፀንሐ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝቕፅሉ 15 መዓልታት ከምዝጅምርኣፍሊጡ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ዝቐርብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቢድ ስርቅን ጉሕለትን ከምዝተፈፀመ ድሕሪ ምርግጋፁ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሓዊሱ ንተምዛብልቲ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢት ቃል ዩኤስኤኣይዲ ጀሲካ ጀኒንግስ ትማሊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለውጢ ኣሰራርሓ ክገብር ዝተሳለጡ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ስምምዓትን ፍረ ኣፍርዩ ኢለን።

“ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ መሓዙትን፡ ሰፋሕትን ኣገደስትን ምትዕርራይ መሓውራት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈጥሩ ዘኽኣሉ ወሰንቲ ዲፕሎማስያዊ ዘተታትን ስምምዓ ኣከይዱ።” ክብላ እተን ወሃቢት ቃል ኣፍሊጠን።

እቶም ምትዕርራያት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ምብፅሑ ንምርግጋፅ ዘኽእል እኹል ከይዲ ቁፅፅርን ምፍላይን ተሓገዝትን ክህሉ ከምዝሕግዝ ዝገለፃ እተን ወሃቢት ቃል “ከም ውፅኢቱ ድማ ዩኤስኤኣይዲ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግቢ ክጅምር እዩ” ኢለን።

ግንቦት 2015 ዓ/ም ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣሜሪካ (ዩኤስኤ ኣይዲ – USAID) እቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ኣፍ ተጠቀምቲ እናተመንጠለ ንኻልእ ዕላማ ስለዝውዕል ክቋረፅ ከም ዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *