ብመሰረት መምርሒ ምጥያሽ ሓይሊ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ 28/01/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ግልጋሎት ከምዝጅምር ቤት ፅሕፈት መሬትን ካዳስተርን ከተማ ማይጨው ገሊፁ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማ ምምሕዳር መሬትን ካዳስተርን ኣይተ ባህሩ ኣስፋው ኣብ መዳይ ውራ መሬትን ዘይሕጋዊ ህንፀትን ብምስታፍ ካብ ሕጊ ወፃኢ ተወሪሩ ካብ ዝነበረ ልዕሊ 5 ሄክታር መሬት ኣስታት 4 ሄክታር ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
እቲ ቤት ፅሕፈት ውህብቶ ገዛ ኣብ ሕጋዊ ትሕዝቶ፣ ኣብ እግድ ዝነበሮም መሬትን ጉዳይ ውሕስና ኣመልኪቱ ቅድሚ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ድሕሪ መስከረም 2016 ብቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ውሳነታትን ውርስን ከምኡ ውን ካብ ይግባኣኒ ነፃ ዝኾነ መሬት ሊዝ ጨረታ ምክያድ ግልጋሎት ከምዝህብ ተሓቢሩ ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።