“ተሽከርከርቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት ምውዳቑ ስለዘረጋገፅኩ ቁፅሪ ሴለዳ ተሽከርከርተይ ቀይረዮ’ለኹ” – ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ።

28 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ቁፅረን ዘይናዓቕ ተሽከርከርቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት ምውዳቑን ካብ ልእኽቶ እቲ ሚኒስተር ወፃእ ይጥቀሙለ ምህላዎም ስለዘረጋገፅኩ ቁፅሪ ሴለዳ ተሽከርከርተይ ቀይረዮ’ለኹ ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ካብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ጀሚሩ እቲ ዝነበረን ዝፀንሐን ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከምዝተቐየረ እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *