ተሓላቒ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታትሉ ፕሮፌሰር መዚዙ፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንሱዳናዊ ሙሁር ሕጊ ፕሮፌሰር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሃገረ ኤርትራ ፍሉይ ልኡኽን ፀብፃብን ክኾኑ መዚዝዎም ኣሎ። ካብ 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዘን ፍሉይቲ ልእኽትን ፀብፃቢትን (Special Rapporteur) ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኮይነን ኸገልግላ ዝፀንሓ ምህርቲ ሕጊ ዝኾና ተወላዲት ሃገረ ቺለ ‘ዳኔላ ክራፍትዝ’ ብፍቓደን ካብ ዝነበረን መዝነት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ድሕሪ ምሕታተን’ዩ፣ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሒዘንኦ ንዝነበራ ቦታ ብሱዳናዊ ፕሮፌሰር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ተኪኡዎም ዘሎ ከም ፀብፃብ ሬድዮ ኤረና።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments