ብ750 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ ሰብዓ ካሬ መንደር ሚዘር ዘመናዊ ማእኸል ዕዳጋ/ሞል/ ንምህናፅ ዘኽእል ውዕል ተኣሲሩ።

እቲ ስራሕቲ ህንፀት ቅድም ክብል ተጀሚሩ ዝነበረን ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኩነታት ተቛሪፁ ዝፀንሐን ዳግመ ምሕዳስ ውዕል ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ሎሚ ተኸቲሙ’ሎ።

ኣፍቲ እዋን ስነስርዓት ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ከምዝገለፅዎ ድሕሪ ደጊም ንኢንቨስትመንት ተባሂሉ ዝተውሃበ መሬት ተሓፂሩ ዝቕመጠሉ ዝፈቅድ ሕጊ የብልናን ኢሎም።

# ጋዜጠኛ ሕሉፍ ዕቋር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *