03 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብዚ ሓድሽ ዓመትን ኣውደኣመትን ንተመዛበልቲ ወገናት ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ብመሰረት ዘቕረበኦ ፃውዒት ካብ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተክርስትያን ኢትዮጵያ 1.7 ሚልዮን ዝዋግኡ ሃለኽቲ ምግቢ ንዝረኸበቶ ሓገዝ ን450 ተመዛበልቲ ኣዴታት ሐዚ ብሓገዝ ተከፋፍል ኣላ።
እተን 450 ኣዴታት ንነፍስ ወከፈን 25 ኪሎ ፌኖን 3 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን ኣብ 70 ካሬን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማድኣትን ሐዚ ይከፋፈል ከምዘሎን እተን ሓገዝ ዝወሃበን ዘለዋ ኣዴታት ካብ ኩለን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከተማ መቐለ ዝተውፃእፀኣ ከምዝኾና ንዋና ኣካያዲት ስራሕ ማድኣት ወ/ሮ ኣበባ ሃይለስላሰ ገሊፀን ክብል ዕላዊ ገፅ ማድኣት ዘርጊሕዎ’ሎ ።
ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተክርስትያን ኢትዮጵያ ን450 ኣዴታት ንመውዓሊ ኣውደኣመት ንነፍስወከፈን 25 ኪሎ ፊኖን 3 ሊትሮ ዘይትን ብሓገዝ ምሃቡ ድሕሪ ምምስጋን ኩሉ ብዘዝከኣሎ ዓቕሚ ንተመዛበልቲ ወገናት ሓገዙ ከበርክት ድማ ኣካያዲት ስራሕ ማድኣት ወ/ሮ ኣበባ ሃይለስላሰ ፀዊዐን።