ብፍልይቲ ልኡኽ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዘትዮም።

3 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ብፍልይቲ ልኡኽ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ሳራ ሞንትጎመሪ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝርገሐ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምዕባለ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ዝተመዛበለ ህዝቢ ብቕልጡፍ ናብ መረበቱ ብዛዕባ ዝምለሰሉ ኣግባብን ኣድሂቦም ውፅእታዊ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፣ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታሪያት መሰረተ ልምዓት ወ/ሮ ያለም ፀጋይን፣ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ማሕበራዊ ጉዳይን ፕ/ር ክንደያ ገ/ሂወትን ሓላፊ ቺፍ ካቢነ ሴክሬታሪያት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ተረኺቦም እዮም።

# ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *