ብፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳያት ተመዛበልቲ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሮበርት ፒፐር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምዝታይ መቐለ ኣትዩ።

ነቲ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘዘራረቡ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ህልው ኩነታት ተመዛበልቲ ትግራይ መብርሂ ብምሃብ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ከምዝርከቡን ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነዚ ተገንዚበን ብህፁፅ መፍትሒታት ከናድያ ፀዊዖም።

እቲ ብሮበርት ፒፐር ዝተመርሐ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬን ካልኦት ግዝያዊ መዕቖቢ ተመዛበልትን ዑደት ከምዝገብሩ ዝወፀ መርሃ ግብሪ የመላኽት።

ፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳያት ተመዛበልቲ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ሮበርት ፒፐር ትካላት ወሃብቲ ሓገዛት ሓላፍነተን ከም ዝፍፅማ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *