ብጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይን ገረዓልታ ኢንስትትዩት ንፓሊሲ፣መፅናዕትን ስልጠናን ዝተዳለወ ዋዕላ ይሳለጥ ኣሎ።

እዚ “ዘተ ንብራኸ ትግራይ “ብዝብል መራሕ ሓሳብ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዋዕላ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ሓሳባት ክለዓልሉ ትፅቢት ከምዝግበር ቦርድ ሰብሳቢ ገረዓልታ ኢንስትትዩት ንፓሊሲ፣መፅናዕትን ስልጠናን ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ኣመላኺቶም።

ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝቐርቡሉ መድረኽ ዘዳልው ትካላት ከምትጠልብ ዝገለፁ ድማ ቦርድ ሰብሳቢ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ኣባ ጡዑም በርሀ እዮም።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ሲቪክ ማሕበራት፣ፓለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ዕዱማትን ዝተረኸብሉ እንትኾን ሸሞንተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክቐርቡን ተሳተፍቲ ድማ ሓሳባት ከቕርቡን ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *