“ብድምፂ ህዝቢ ዝሰዓር እንተኾይነ መንበረ ስልጣነይ ብሰለማዊ መንገዲ ንምርካብ ድልዉ ኣይኮንኩን፡፡”- ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፡፡

ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝግበር ሃገራዊ መረፃ ሑቡራት ኣመሪካ ብድምፂ ህዝቢ ዝሰዓር እንተኾይነ መንበረ ስልጣነይ ብሰለማዊ መንገዲ ንምርካብ ድልዉ ኣይኮንኩን ክብሉ ፕረዚዳንት ሑቡራት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም፡፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ዋይትሃዉስ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ጋዜጠኛታት “ብመረፃ ህዝቢ እንተተሳዒርኩም ካብ መንበረ ስልጣንኩም ብሰላም ክትወርዱ ትኽእሉ’ዶ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡- “እቲ ክኸዉን ዝኽእል ነገር ኣብቲ ሽዑ እዋን ምርኣይ ይሓይሽ ፡፡ኣነ ከይተመረፅኩ እንተተሪፈ ወይከኣ ብድምፂ ህዝቢ ተሳዒርካ እንተተባሂለ ፤ ጉዳይ እቲ መረፃ ክሳብ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ክወስዶ እንተኾይነ’ምበር ንቲ ዉፅኢት ንኽቕበሎ ኽፅገም’የ ክብሉ መልሲ ሂቦም ኣለዉ ከም ፀብፃብ ሲ.ኤን.ኤን.፡፡ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ተናሓናሒኦም ጆ ባይደን ኽነፃፀር ከሎ ትሑት ድጋፍ ከምዘለዎም ካብ ህዝቢ ዝተኣከቡ መለክዕታት ድጋፍ ድምፂ ከምዘርእዩን ፤ ሃገራዊ መረፃ ‘ታ ሃገር ንምክያድ 40 መዓልትታት ተሪፍዎ ከምዘሎን እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments