“ብዙሓት ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዓለም ዝተሳተፉ ስፖርተኛታት ካብ ክልል ትግራይ ዝተረኸቡ’ዮም።” – ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ

ፕረዚዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ደሪርቱ ቱሉ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስነስርዓት ምውላዕ ሽግ ኦሎምፒክ ኣብ ዘስመዖኦ ዘረባ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ መድረኽ ዓለም ዝተሳተፉ ብዙሓት ኣትሌታት ካብ ክልል ትግራይ ዝተረኸቡ’ዮም። ሐዝ’ውን ምስ ኮሚሽን ስፖርት ክልል ትግራይ ብሓባር ብምዃን ተተካእቲ ኣትሌታት ትግራይ ንምፍራይ ከምዝስራሕ ኣፍሊጠን።

ሎሚ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ሃገራዊ መደብ ምጅማር ምውላዕ ሽግ ሪለይ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024’ዩ ተኻይዱ።

እዚ ስነስርዓት ምውላዕ ሽግ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም. ንዝካየድ መበል 33 ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ሕብረተሰብ ፍናን ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ወሲኸን ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *