ህፃናት ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክርሕቁ ስለዘይግባእ ንልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ዝውዕል ሙሉእ ናውቲ ትምህርቲ ንዝለገሶ ኣብ ወረዳታት ሕንጣሎን እንደርታን ንዝርከቡ ተምሃሮ ክልገስ ፅባሕ ብመንገዲ ትካል EYES ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ከምዝፍፀም ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ብዓል ሙሉእ ውዕለታ ህዝቢ ትግራይ ኣየርላንዳዊ ስሙይ ስነጥበባዊን ኣንቃሒ ፖለቲካን ሮበርት ፍሬድሪክ ዚዮን ቦብ ጊልዶፍ ኣብ እዋን ከቢድ ሓደጋ ድርቂ 1977 ዓ.ም. ንፍሉጣት ድምፃውያን ዓለም ኣተሓባቢሩ We are the world ዘስመየ ደርፊ ብምቕራብ ልዑል ሓገዝ ዘተኣኻኸበን ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምልዛብ ዘይተኣደነ ሓገዞም ክልግሱ ብምግባር ትንፋስ ህዝብና ዘውሓሰን’ዩ።
#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ