ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ 7ተ ዞባታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ኣትዮም

ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ሸውዓቲኣን ዞባታት ትግራይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ኣትዮም፡፡

ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዎልደስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ተቐቢሎም ንምምፀኦም ስዒቡ ኣብ ዝተገበረሎም ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዠተረኸቡ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ መቐለ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሆፕ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት እውን ሓገዝ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ንምግባር ቃል ኣትዮም፡፡

ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ኣብ ምሕደራን ቴክኖሎጂን ኣድሂቡ ዝነጥፍ ዩንቨርስቲ ዎልደስ፤ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ትግራይ ንዝተፀገሙ ወገናት ብዝገብርዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር መስከረም 9/2016 ዓም ናይ ክብሪ ዶክትሬት ምሃቡ ይዝከር::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *