ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዝተላእኸ ጉጅለ ጥሜት ትግራይ ብምግንዛብ መፍትሕታት ንምንዳይ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዶ/ር ዲማ ኖጎ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ዝበፅሑ ሕልኽላኽ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝጠልብን ኣብዚ ዘበን ህዝብና ብጥሜት ክሞት ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ነገር የለን ኢሎም።

መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣብ ዘካየድዎ ዝተዋደደ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሓረስታይ ትግራይ ዝኸፍአ ድርቂ ተወሲኽዎ ዘለዋ እንስስኡ ጠቕሊሉ ክሸይጥ ይርአ ከምዘሎን ኩሉ ነገር ክፃወሮ ከምዘይከኣለ ብኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ትግራይ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ቀሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ቁጠባ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ይሽፍን ዝነበረ ዓውደ ሕርሻ ብምንባሩ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ እውን ዘለዎ ንብረት ብዘይተለመደ መንገዲ ይሸይጥ ከም ዘሎ መብርሂ ተዋሂቡ።

ድርቂ ዝወለዶ ዓፀቦ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ እውን ከቢድ ፅዕንቶ የዕርፍ ብምህላው ምቁራፅ ትምህርቲ፣ ስደትን ካልኦት ፀገማትን የስዕብ ከምዘሎ ንጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪብሎም።

ዓውደ ጥዕና እውን በቲ ፅንተታዊ ኲናት ከቢድ ዕንወት ስለዝበፅሖ ግልጋሎት ጥዕና ዝረክብ ህዝቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዉሱን ከምዝኾነን ብፍላይ ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ተሳጢሖም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾን ተመዛባላይ ከምዘሎን ነዚኦም እውን ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርበሎም ብዘይምኽኣሉ ብቐፃልነት ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ እቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ የብርህ።

ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ሓደጋ ዘሐዝን ምዃኑን ነዞም ፀገማት ብምፍታሕ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ከም ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደራል ዝከኣለና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *