ብበዓል ሃፍቲ ዶ/ር ዘርኢ ገብረሊባኖስ ብልዕሊ 15 ሚልዮን ብር ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፅምብላ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ ተሃኒፁ ሎሚ 06 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብዕሊ ተመሪቑ።

ነቲ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፣ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል / ዶ/ር/ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስትን ሰብ ሃፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም መሪቖም።

ህዝቢ ትግራይ ፃዕራም ህርኩትን እዩ ዝበሉ ብዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ እቲ ቤት ትምህርቲ እብ ሓፂር ግዜ ተሃኒፁ ናብ ምረቓ ንኽብቕዕ ካብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ን ወርዳ ፅምብላን ዝተገበረ ትሕብብር ኣመስጊኖም።

ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ብዕላማ ክዓኑ ተገይሩ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ኩሉ ሰብ ሃፍቲ ኣሰር ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ክስዕብ ተላብዮም።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ዝተፈፀመ ዕንወት ወለዶ ጥራሕ ዘይኮንስ ወልዶታት ንምብዳል ተተሊሙ ዝተፈፀመ ከም ዝኾነን እዚ ናይ ወረርቲ ባህጊ ንምብርዓን ከምዚ ዓይነት ተብግሶ ክባራኽቱ ኣልዎም ድሕሪ ምባል እዚ ተመሪቑ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ተስፋ ሕወየትን ስንቂ ልምዓትን ትግራይ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ ብስም ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዝተስምየ ኮይኑ ህንፅቱ ንምዝዛም ድማ ሸውዓተ ወርሒ ወሲዱ እዩ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

በዓል ሃፍቲ ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብልዕሊ 350 ሚልዮን ብር ኣብ ኩሎም ዞባታት ትግራይ ዘበናዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃኒፁ ንህዝቢ ንምርካብ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውዕል ተፈራሪሙ ዛጊድ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከብ ከባቢታት እምነሰረት ኣንቢሩ ዕማማት ህንፀት ኣብ ምስላጥ ይርከብ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *