ኣብ ዞባታት ትግራይ ብልዕሊ 350 ሚልዮን ብር 7 ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ንዘኣተውዎ ቃል ንምትግባር ሰነድ ስምምዕ ከቲሞም።
ኣፍቲ ስነ-ስርዓት ምኽታም ሰነድ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ዕላዊ ኣብዝተገበረሉ መድረኽ ካብ ኩሎም ዞባታት ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸቡሎምን ክታም ስምምዕ ሰነድ ድሕሪ ምዕራፎም
ንሕድሕድ ኣብያተ ትምህርቲ 50 ሚልዮን ብር ከምዝተመደበለንን ህንፀት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓፂር ግዜ ተሳሊጡ ናብ ኣገልግሎት ክኣትዋ ብፅፈትን ሰለጤንን ከምዝስራሕ በዓል ሃፍቲትን ዶክተር ክብርን ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ሓቢሮም።
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብኲናት ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ሰብ ሃፍቲ ኮነ ካልእ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ተግባር ክረባረብን ሕድሪ ሰማእታት ትግራይ ከተግበርን ኣተሓሳሲቦም።
በዓል ሃፍቲ ክቡር ዶ/ር ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ሃፍትኻ እትውንኖን ዕውትን ዝኸውን ኣብ ረብሓ ህዝቢ እትተውዕሎ እዩ ብምባል ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ ብዝኸኣሎ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ክረባረብ ይግባእ ድማ ኢሎም።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ኣብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ጣብያ ማይ ፀዶ ኲሓ ቁሸት ዝባን ዛላ ንዝህነፅ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እምነ ስረት ብፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳን በዓል ሃፍቲ ክቡር ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስን ከምዘንበሩ ኤመሓት ፀብፂቡ።