02/13/2015 ዓ.ም
″ኢንዱስትሪያል ግሎባል ዩኒየን″
(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኢንዱስትርያዊ ፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ቆርበትን ዓለባን ኣብ ትግራይ ብዛጋጠመ ኩናት ስዒቡ ኣብ ሰራሕተኛታት ዘስዕቦ ኣዕናዊ ፅልዋ ዘግለሐ እንትኾውን ልዕሊ 20 ሽሕ ኣባላት ካብ ስርሖም ደው ከብሉ ስለዝተገበረ ከቢድ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላውን ስቓይን ወሰኽ ድኽነትን ኣስዒቡ እዩ ክብል እቲ ኣብ ኢንዱስትሪያል ግሎባል ዩኒየን ዝተጠቀዐ ሓበሬታ ኣመላኪቱ ኣሎ ።
ኢንዱስትሪያል ግሎባል ዩኒየን ወሲኩ ከምዝገለፆ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ከምዝሞቱን ፋብሪካታት ብነተጉትን ከበድቲ ኣፅዋራትን ብምድብዳብ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ ክሳራ ኣስዒቦም እዮም ክብል ይሕብር ።
ከብዚ ብተወሳኪ ኩናት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምፍራም ተፃብኦታት ደው ክብሉ ከምዝተገበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ይኩን እምበር ሐዚ እውን ግና ኣብ ፈብሪካታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዝከፈአ ናብራ የሕልፉ ምህላዎምን እዚ ንምፍታሕ ድማ ኣጋጢሞም ዘለዉ ቅልውላው ንምቅራፍ ኣብርቲዕካ ምስራሕ ከምዘደሊ እውን ኢንዱስትሪያል ግሎባል ዩኒየን ኣፍሊጡ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ሰብኣዊ መሰላት ብዘይምሕላው ካብ ተጠቅምነት ኣጉዋ ብምክልካሉ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ስራሕ ክስእኑን ንድክነት ክቃልዑን ከምዘገበረ ኣረዲኡ።