ብሰንኪ ቁሉዕ ወራርን ድርቅን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳን ወረዳ ጉለምኸዳን ንምሕጋዝ ካልኣይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሳለጥ ኣሎ ።

ሕዚ ድማ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካልኣይ ዙር ይሳለጥ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ዓቕሚ ክርከብ እምነት ኣለኒ ክብሉ ገሊፆም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ እቲ ሐዚ ከም ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ብምንጣፍ፣ ብምድግጋፍን ተመዛበልቲ ወገናትና ድማ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ብምንቅስቓስ እዩ ነዚ ድማ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዑል ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ ረኺብና ዘዘራረብናዮም ገለ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ህዝቢ ወረዳ ጉለምኸዳን ከተማ ዛላምበሳን ብሰንኪ ኵናትን ድርቅን ኣብ ከቢድ ፀገም ስለ ዘሎ ተወለድትን ፈተውትን እቶም ከባቢታት ብቐፃልነት ሓገዞም ከጠናኽሩ ፀዊዖም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

ምክትል ኣቦ ወንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ ህዝቢ ወረዳ ጉለምኸዳ፣ዛላምበሳ፣ዳሞን ስሩኽሶን መምህር ምሩፅ ደስታ ከም ዝበልዎ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ዝቕፅል እዚ መድርኽ ፈለማይ ዙር ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ልዕሊ ዒስራን ሰለስተን ሚልዮን ቕርሺ ኣታዊ ተረኺቡ እዩ።

ሕዚ ድማ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካልኣይ ዙር ይሳለጥ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ዓቕሚ ክርከብ እምነት ኣለኒ ክብሉ ገሊፆም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ እቲ ሐዚ ከም ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ብምንጣፍ፣ ብምድግጋፍን ተመዛበልቲ ወገናትና ድማ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ብምንቅስቓስ እዩ ነዚ ድማ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዑል ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ ረኺብና ዘዘራረብናዮም ገለ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ህዝቢ ወረዳ ጉለምኸዳን ከተማ ዛላምበሳን ብሰንኪ ኵናትን ድርቅን ኣብ ከቢድ ፀገም ስለ ዘሎ ተወለድትን ፈተውትን እቶም ከባቢታት ብቐፃልነት ሓገዞም ከጠናኽሩ ፀዊዖም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *