“ብሰንኪ ምክልኻል ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ካብ ገዝኡ ከይወፅእ ዝተፈርደሉ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ህይወት የሕልፍ ኣሎ፡፡”-ሬድዮ ኤረና፡፡

ኣብ ኤርትራ ፣ መብራህቲ ዘይምህላው ከም ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ዓመታት ኣቝፂሩ’ዩ።ስሩዕ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ክህልዉ’ዩ ዝብል ሓሳብ’ውን ንዝበዝሐ ህዝቢ ዳርጋ ተስፋ ዘቑረፀ መብፅዓታት’ዩ።ስርዓት ህግደፍ ብወግዒ ካብ ዝኣወጆ ሃገራዊ ምድራት ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ካብ መንበሪ ገዛ ናይ ዘይምዉፃእ ጉዱድ መስርሕ ሻውዓይ ወርሑ ኣቝፂሩ ኣሎ።ህዝቢ ብዘይካ’ቲ ዘይፅወር ኮይንዎ ዘሎ ምረት ናብራን ሕሰምን፣ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ብስሩዕ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ተወሳኺ ከቢድ ፀገም ኮይንዎ’ሎ።ብፍላይ መብራህቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ካብ ዝነበሮ እንዳኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘንበሮ ዝተናውሐ ምዕፃውን ፀልማትን ምንባር ከምዘማርር ጌርዎ ኣሎ።ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ እንዳኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ንነዊሕ እዋን ምቁራፅ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ጠንቁ ስእነት ነዳዲ ምዃኑ ብስፍሓት ይዉረ’ዩ።ነዳዲ ዘህልኽ ካብን ናብን ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ዘየለ ከሎ መንግስቲ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ነዳዲ ዝሰኣነሉ ምኽንያት ድማ ምስ ምዕፃው ወደባት ሓያሎ ሃገራት ዘተሓሕዝዎ ኣለዉ።ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ይስዕብ ምህላዉ እንተዘይኮኑ፣ እቲ ዝሰዓበ ሃስያታት ይኹን ንምሕዋዩ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ንህዝቢ ኣይገለፀን። ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ዓለማዊ ፀገም ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፀገም ዝወደቑ ናይ ምሕጋዝ መደብ ከምዘይብሉ ‘ንርዱእ ምኽንያታት ባጀታዊ ሓገዝ ኣይገብርን ክብል ወግዓዊ መግለፂ ሂቡ’ዩ፡፡ ኣብ መቐይሮ መንብሮ ህዝቢ ዝፈየድኦ ንዘይብለን ዝተሃነፃ ሓፅብታት፣ ዲጋታትን ፅርግያታትን ብምፅብፃብ ወግሐ ፀብሐ ዝንየት ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ፣ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ክምዝገብ ምዃኑ መናፍሓት ምንዛሕ ኣየቛረፀን።ህዝቢ ብወገኑ ብዘይካ’ቲ፣ ጨኒቕዎ ዘሎ መዓልታዊ መነባብሮ እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ መፃኢ ሕውየት ቁጠባ ሃገር ክሓስበሉ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ከምዘየለ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት የመልክቱ።ነቲ ኤርትራ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ክትርከብ’ያ ዝብል መናፍሓት ህግደፍ ከኣ ከም ዳእላን መቐፀልታ ተዋስኦታት ናይቲ ስርዓትን ከምዝወስዶ እቶም ወገናት ጠቒሶም ክብል ማዕከን ዜና ሬድዮ ኤረና ፀብፂቡ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments