ብርክት ዝበለ ህዝቢ ወረዳ ኣፅቢ ብሰንኪ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ንስደት ከምዝኸደ ንፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ መብርሂ ተዋሂብዎም።

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብስንኪ ድርቂ ንዝተጠቕዑ ነበርቲ ወረዳ ኣፀቢ ጣብያ ፈለገ ወይኒ ዑደት ኣብዘካየድሉ እዋን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ወረዳ ኣፅቢ ብሰንኪ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ንስደት ከምዝኸደ ህዝቢ እታ ጣብያ ገሊፀሙሎም።

ኣብቲ ገዛ ንገዛ ዝተኻየደ ዑደት እቲ ህዝቢ ኣብ ዝከፍእ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎን ብተወሳኪ ብርክት ዝበሉ ወገናት ሂወቶም ንምድሓን ኣፍደገ ገዝኦም ዓፅዮም ከምዝተሰደዱን ትንፋሶም ንምውሓስ ኣብ ልመና ከምዝተዎፈሩን ኣረዲኦም ።

ድሕሪ ዑደት ህዝባዊ ዘተ ዝተሳለጠ እንትኾን ኣብቲ ዘተ እውን ስፍሕ ዝበለ ርኢቶታት ቐሪቡ ምላሽ ተዋሂቡ እዩ ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *