ብራዚል ንምጥፋእ ባርዕ ሕዛእቲ ኣማዞን ዝውዕል ሓገዝ ንምቕባል ድልውቲ ምዃና ገሊፃ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/12/2011)ወሃቢ ቃል ፕረዝደንት እታ ሃገር ብራዚል ንምጥፋእ እቲ ባርዕ ሓገዝ ንምቅባል ድልውቲ ምዃና ብምግላፅ ካብ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝርከብ ገንዘብ መዓልኡ ንምውሳን ግን ናይታ ሃገር ጥራሕ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ፈረንሳይ ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ ንምጥፋእ ኣብቲ ትንፋስ ዓለም ዝበሃል ሕዛእቲ ዝተልዕለ ባርዕ 20 ሚሊዮን ዶላር ንምሃብ እኳ ተወሰኑ ፕረዝደነት ፈረንሳይ ይፀርፉኒ ኣለው ዝበሉ ፕረዝደንት ብራዚል ቦልስናሮ እቲ ገንዘብ ንምቅባል ክንሓስበሉ ኢና ኢሎም ምንባሮም ይዝከር፡፡

ኣመሓደርቲ ግዝኣት ኣማዞን እቲ ገንዘብ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ከምዝረብሖም ብምግላፆ እቶም ፕረዝደንት ቦልስናሮ ብቕድመ ኩናት ነፃነት ኣጠቓቕማ ክቕበሉ ከም ዝተስማዕምዑ ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments