ብምኽንያት 24 ጥቅምቲ ዝተዳለወ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ስለዝሓተተን ባዕለይ ንባዕለይ ክመሓደር ሕገ-መንግስታዊ መሰለይ ይከበር ስለዝበለን ጥራሕ ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ወፍሪ ጀኖሳይድ ዝተኣወጀሉ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም እነሆ ሰለስተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኩናት ምጅማሩ ኣፈላላያት ብዘተን ብሰላማዊ መንገድን ክፍትሑ ብዝተፈላለዩ መንገድታት እናሓተተ እኳ እንተነበረ ኣብቲ እዋን ዝሰምዖ ብምስኣኑ ምኽንያት ተገዲዱ ናብ ኩናት ኣትዩ እዩ።

ልፍንታውያን ሓይልታት ሙሉእ ምድላው ገይሮምን ዘራያት ኣተኣኻኺቦምን ዝወለዑዎ ኩናት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ሃፍትን ንብረትን ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሓድግታትን ኣብያተ እምነትን ትግራይ፣ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንነትናን ክብርታትናን ታሪክ ይቕረ ክብሎ ዘይግባእ ግፍዕን በደልን ኣብፂሖም እዮም።

ኣብዚ እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዘሎ ህዝብና ኣመና ሕማቕ ህይወት ይነብር ኣሎ፤ ተመዛበልቲ ወገናትና ዘለውሉ ኩነታት ክትገልፆ ዝኸብድ እዩ።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይሃሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ብዘየገድስ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ መንበሪ ከባቢ፣ ፆታ፣ ዕደመ፣ ሞያ፣ ብርኪ ትምህርቲ ወዘተ ኣፈላላያቱ ንጎኒ ገዲፉ ህልውንኡ ንምውሓስ ብዘካየዶ ታሪኻዊ ተጋድሎ፣ ብዘርኣዮ ሓፂናዊ ፅንዓትን ብዝፈፀሞ መስተንክራዊ ጅግንነትን ሕልሚ ሓይልታት ፅንተት ብዝተማልአ ብርኪ ከይፈፀም ኮሊፉዎ እዩ።

ሳላ ሓድነትናን ከም ሓደ ሰብ ብሓደ ልቢ ንሓደ ዕላማ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልናን ድማ ነቲ ኣብ ልዕሌና እናተኻየደ ዝፀንሐ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ዓጊትና ኣገባብ ቃልስና ካብ ኣፈሙዝ ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣንፈት ከምርሕ ገይርናዮ ኣለና።

ሕቶታትና ብሰላማዊ መንገዲ ንምምላስ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዝጀመርናዮም ርክባት ኣጠናኺርና ክንቕፅል ኢና። ኣብዚ ከይዲ ዘጋጥሙ ዓንቀፍቀፋት እናፈታሕና ረብሓ ህዝብና ብዘላቕነት ንምምርግጋፅ ዝክኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና።

ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ኩናትን በቲ ኩናት ዝበፅሓና ግፍዕን መንከራን ፍፁም ኣይንርስዖን። ኣብ ልዕሊ ህዝብና፣ ታሪክናን መንነትናን ዝበፅሕ ግፍዕን ዝተፈፀመ ክሕደትን ፈፂምና ኣይንርስዖን ማለት ብሓደ ወገን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክሳብ ዝቐርቡ ቃልስና ኣጠናኽርና ክንቕፅል ኢና ማለትና እንትኾን፤ በቲ ካልእ መዳይ ግን ድሕሪ ሕዚ ኣብ መሬት ትግራይ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ከይፍፀም ካብ ብሐዚኡ እናኣመትና ጠንክርና ክንሰርሕን ምዕሩይትን ውሑስትን ትግራይ ንምህናፅ ፅፍረና ከሊእና ከም እንረባረብ ቃልና ብምሕዳስን እዩ ክኸውን።

ክብርን ሞገስን ንጅጋኑ ሰማእታትና!!

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

24 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም

መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *