
(ኤፍኤምመቐለ 04/08/2011) ኣብ 2008 ዓ/ም ዝተጣየሸ እቲ ኢኒስትዩትት ፀገም ፈታሕቲ ምርምራት ብምክያድን ዝተጀመሩ ምርምራት ኣወዳዲሩ ብምድጋፍን ናብ ረብሓ ሕብረተሰብ ክውዕሉ ምግባር ተልእኾ ዝተወሃቦ እዩ።
ዋና ዳሬክተር ኢኒስቲዩትት ባዮ ቴከኖሎጂ ኢትዮጵያ ዶ/ር ካሳሁን ተስፋየ እቲ ኢኒስቲዩትት ብብርኪ ሃገር ዝተናበቡ ምርምራት ክካየዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ ዛጊድ 25 ምርምራት ኣብ ከይዲ ከምዘለው ገሊፆም ።
ኣብ ቀፃሊ ክልላዊ ማእኸላት ምርምርን ሓደ ሃገራዊ ማእኸልን ንምጥያሽ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ ዝበሉ ዶ/ር ካሳሁን እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ባዮ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ብፍላይ ልምዓት ጡጥ ዛጊድ ዝሰርሐኦም ስርሓትን ምርምራትን ብምቕራብ ተዋዲድካ ንምንቅስቓስ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዘተ ካብ ዩንቨርስቲታት መቐለ፣ ራያ፣ ኣኽሱም ፣ ዓድግራትን ሰመራን ዝተውፃእፅኡ ተመራመርቲ እቲ ዘፈር ተረኺቦም እዮም።
0